Petition updateAsk Prime Minister Abiy Ahmed to stand with the Eritrean People against dictatorship!!!
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ክውግን መጸዋዕታኹም ኣተሓላልፉ!!!
EriMediaWatch GroupTX, United States

Jul 20, 2018
ንኹሉኹም ኣብ ሃገርና ነባሪ/ዘላቂ ዝኾነ ሰላም ንምውሓስ እትቃለሱ ዘለኹም ደቂ ሃገር፦
ፈለማ ነዚ ቅዱስ ዕላማ ንምውሓስ ከይተሓለልኩም ንእትገብርዎ ዘለኹም ጻዕሪ እንዳ ኣመጎስና ጻዕርኹም ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ንከተሐይልዎ ንምሕጸን።
ብምቅጻል ክነመሓላልፎ እንደሊ መልእኽቲ ኣሎ። ንሱ ከኣ ብዛዕባ እዚ ናይ ምሕጽንታ ደብዳቤ ንዶር ኣብይ ኣሕመድ ኢዩ። ዶክቶር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ መወዳእታ ናይ'ዚ ወርሒ እዚ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዑደት ንብምግባር ስለ ዝብገስ፡ ነዚ ኣጋጣሚ ብምጥቃም፡ ነዚ ናታትኩም ምሕጽንታ ንከነረክቦ ውጥን ስለ ዘሎ፡ ብዝሒ ናይቶም ነዚ ምሕጽንታ ዝፈረሙ ኣብ ምእማን ግደ ስለ ዘለዎ፡ በብወገንኩም ነዚ ምሕጽንታ ናብ ህዝቢ ከም ዝባጻሕ ንምግባር ንክትተሓባበሩና ንላቦ።
ተወሳኺ ሓበሬታ ከከም ኣድላይነቱ ኣብ ግዜኡ ክንሕብር ምካና ነረጋግጸልኩም።
Copy link
WhatsApp
Facebook
Nextdoor
Email
X