Updated! Tigrigna/Arabic End Militarized High School in Sawa, Eritrea #EndHighSchoolInSawa

0 have signed. Let’s get to 2,500!

Suhier Mohd
Suhier Mohd signed this petition

(UPDATED with ትግርኛ and العربية  versions which follow the English petition. Please read, sign and share.)

In 2003, under false pretenses of a temporary measure to alleviate capacity issues, the Eritrean government passed a law requiring all high school students to complete their 12th grade in a central place, a military camp in Sawa.

Viewed in isolation, the government’s decision to install the nation’s only 12th grade in a military camp may be judged as a strategic mistake, perhaps even driven by good intentions of creating parity among different regions and a melting pot for different ethnicities. What has made it a catastrophic decision is that it exists within an all-encompassing culture of: military policy which relies on conscripted army serving indefinitely; command economic policy dominated by parastatal companies which rely on forced labor; revolutionary narrative which glorifies sacrifice and hardship; and, total absence of independent judiciary, independent press and independent advocacy groups (especially for women and youth.)  Consequently:

  • A not-insignificant percentage of the 11th-grade students bused to the military camp in Sawa are 16-17 years old, i.e., children;
  • The school is a hybrid of academic and military institution with the latter taking prominence: each day begins and ends with military drills; students obey in life and in death military rituals;
  • Because the focus is on military discipline instead of academic excellence, there is no time or energy to concentrate on education;
  • When they are not in class or in military drills, students are frog-marched to farms owned by parastatal companies for forced labor;
  • With temperatures ranging between high 30s and low 40s centigrade, and military hangars substituting for classrooms, the setting is not conducive to learning; 
  • There is a total ban on religious freedom so spiritual comforts are severely punished;
  • Contacts with family members are severely restricted because the purpose is to break bonds with parents and instill loyalty to the State;
  • The students are subjected to cruel, inhuman and degrading punishment for even minor infractions having nothing to do with academic performance but military discipline;
  • Sexual assaults on female students are common and, due to a culture of impunity and good ol’ boy network of the military, offenders are rarely punished;
  • There are inadequate healthcare facilities to accommodate such a large student population and complaints about illnesses are treated as whining of spoiled children with many dying from easily treatable diseases;
  • The scope of psychological stress is so vast that it affects most students.  Female students are particularly vulnerable to conversion disorder;
  • The teachers who instruct the students are themselves conscripts: demoralized by the fact that they are forced to abandon their careers and be teachers with little training, they are often absent or leave the country doubling and tripling the workload for those who stay behind;  
  • Students suffer from severe stress associated with knowledge that only 20% of students will pass the matriculation exam with grades sufficient for college and that the rest can expect a life of indefinite military service;
  • For even the lucky 20% who enter college (there are no universities), the punishment is only delayed: after graduating from college, they will still be employed by the State, sometimes as instructors in the same 12th grade in Sawa (Warsay-Yikealo Secondary School), with their degrees held hostage indefinitely;

The evidence is in.  After 16 years of experimenting with the lives of Eritrea’s children on the cheap (the government devotes pittance of its budget to education), it has nothing to show for it except exiling hundreds of thousands of its citizens, including unaccompanied minors, to avoid it. The few “success stories” are from those who have managed to leave the country and re-establish their lives—in foreign lands.  

As Eritrea has recently become a newly elected member of the Human Rights Council (HRC), its government is obliged to “uphold the highest standards in the promotion and protection of human rights” and to also observe the various international treaties and instruments it is a signatory to. 

In light of this, we are calling on the Government of Eritrea to immediately stop sending high school students to Sawa military camp to complete their 4th year of high school. We are calling upon the government of Eritrea to uphold its own domestic laws (on National Service) and the international treaties it has signed (Conventions on the Rights of the Child; International Labour Organization Forced Labour Convention; African Charter on Human and People’s Rights) and let Eritrean youth complete their secondary education amongst their families and communities without the heavy hand of the military.  We are also calling on the Human Rights Council, and especially Special Rapporteur on the situation of human rights in Eritrea, to consider the status of Eritrean youth forcefully taken to Sawa in its next oral report. We are calling on institutions and governments who help fund Eritrea’s education—the African Development Bank (AfDB), Global Partnership for Education, the European Development Fund and the Government of Republic of Finland—to condition their help on their ability to audit the government’s decoupling of education and military policies as well as banning child and forced labor. Finally, we are calling on all governments who want to stem the exodus of Eritreans to identify and discourage the primary push factor: the country’s indefinite conscription, which relies on the forcefully bused, centralized and militarized 12th-grade population in Sawa.

References
Bader, L. (2019, August 8).  They Are Making Us into Slaves, Not Educating Us. Human Rights Watch. Retrieved August 15, 2019 from https://www.hrw.org/report/2019/08/08/they-are-making-us-slaves-not-educating-us/how-indefinite-conscription-restricts

Estimated Number of People Living In Modern Slavery: 451,000.  Global Slavery Index: Eritrea. Retrieved August 15, 2019 from https://www.globalslaveryindex.org/2018/data/country-data/eritrea/
++++++

Tigrigna version

ብወተሃደራዊ ትእዛዛትን ባህልን ዝተዓብለለ ኣካዳምያዊ ቤት ትምህርቲ ሳዋ የብቅዕ! 

#EndHighSchoolInSawa

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ 2003 ዓመተ ምህረት ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ለውጥታት ስለ ዝገበረ: ማለት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ 12 ክፍሊ ስለ ዝተወሰኾ: እዚ ድማ ናይ ትሕተ ቅርጽን ሰብኣዊ ዓቅምን ጸቅጢ ስለዝፈጠረ: መንግስቲ ነዚ ጸቅጥታት እዚ ክሳብ ዝፈትሕ ንግዚኡ 12 ክፍሊ ኣብ ሳዋ ከም ዝዋሃብ እዩ ዝጠቅስ ኔሩ። እቲ ውሳኔ ካብ ዝወሃብ 16 ዓመት ኣቁጺሩ ኣሎ።

ነቲ ዝቐረበ ምኽንያት ነጺልካ ክትርእዮ ከለኻ፡ መንግስቲ ኤርትራ ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቲ ኣብ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ማእከል ሳዋ ክወሃብ ምውሳኑን፡ ንዕኡ ዘሳሲ ቤት ትምህርቲ ምኽፋቱን ብዙሕ ዘይትሓስበሉን ብ ሃታሃታ ዝተፈጸመ ጌጋን ክመስል ይኽእል እዩ። እቲ ውሳነ ምዕሩይ ዝርገሐ ስርዓተ ትምህርቲ ንምትብባዕ፡ ካብ ዝተፈላለያ ዞባታትን ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብን ኤርትራ ንዝመጹ መንእሰያት ኣብ ሓደ መብሰሊ ቁራዕ ብምእታው ከምዝላለዩን ዝወሃሃዱን ምግባር ዝዓለመ ኔሩ ውን ተባሂሉ ክውሰድ ዝከኣል ኢዩ። 

ነቲ ናይ 2003 ዓመተ ምህረት ሕጊ ናብ ኣዕናዊን ኣነዋሪን ተግባር ዝቐየሮ ግን እቲ ውሳነ ብኹሉ መዳዩ - ካብታ ዝደቐቐት ሸነኹ ክሳብ እቲ ዝዓበየ ተግባራቱ - ኣብዞም ዝስዕቡ ማለት፡ 

ሀ) ኣብ ክቱር ወተሃደራዊ ሃዋህው ዝተመስረተ፡ 

ለ) ብስርዓተ ዕዳጋ ዘይኮነስ ብትእዛዝ መንግስቲን፡ ብምዝምዛ ነጻ ጉልበት ብዝካየዳ ናይ መንግስቲ ቁጠባዊ ትካላትን ኣብ ዝካየድ ስርዓተ-ቁጠባ ዝተሃንጸ፡

ሐ) ንሞትን ገልታዕታዕን (ንሕሱም ናብራ ገድሊ) ዘዕቢ፡ ዘጋንንን ዝሙግስን: ንኽብርታት ህዝቢ ኤርትራ ዝድምስስ ትረኻታት ድማ ዝዘርገሐ 

መ) ፍጹም ቡኩራት ናይ ፍትሓዊ መስርሕ፡ ነጻ ፕረስ፡ናይ ምጥባቕ መሰል ትካላትን (ብፍላይ መሰል ናይተን ዝዕመጻን ዝውጸዓን ደቀንስትዮን  ትሕቲ ዕድመ መንእሰያትን) ኣብ ዘይብሉ ሃዋህዉን ባህሊን ዝተተግበረ ኢዩ ነይሩ። 

ከም ሳዕቤን ናይዞም ኩሎም ኢሕጋውያን ተግባራት 

• ውሑድ ዘይኮነ ቁጽሪ ናይቶም ናብ ሳዋ ክወርዱ ዝተጓረቱ መንእሰያት ዕድሜኦም ካብ 16 – 17 ዘይሓልፍ ህጻናት ኢዮም፡፡

• እቲ ቤት ትምህርቲ ወተሃደራዊን ኣካዳምያዊን ተልእኾ ዘካይድ፡ ዝያዳ ድማ ነቲ ወተሃደራዊ ተልእኾ ቀዳምነት ዝህብን ብወተሃደራዊ ባህሊ ዝተዓብለለን ዝተደባለቀ ትካል ኢዩ። ነብሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ብኣካላዊ ወተሃደራዊ ታዕሊም ጀሚራ፡ ተመሃሮ ንምንባርን ንሙማትን ብዝቕበልዎ ተረርቲ ወተሃደራዊ ሕግን ስርዓትን ትዛዘም። 

• ዕላማን ቀዳምነትን ናይ ማእከል መሰልጠኒ ሳዋ ኣካዳምያዊ ብሉጽነት ዘይኮነስ ወተሃደራዊ ታዕሊምን ዲሲፕሊንን ስለዝኾነ፡ እቶም ብኣድካሚ ታዕሊምን ገራፊ ዲስፕሊናዊ ስጉምታትን ዝደኸሙ ተመሃሮ፡ ንመጽናዕቲ ዝኸውን ግዜ፡ ጸዓትን ሸውሃትን የብሎምን። 

• ወተሃደራዊ ታዕሊም ወይ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ኣብ ዘይህልዎም እዋን ተመሃሮ ተኾብኪቦም ናብ ናይ መንግስቲ ሕርሻታት በስገዳድን ብመስርዕን ከምዝሰርሑ ይግበር። 

• ተመሃሮ ኣብቲ ንመምሃሪ ተባሂሉ ካብ ናይ ዚንጎ ንጥረ-ነገራት እተሰርሐ ሃንገራት ኮይኖም፡ ነቲ ኣብ ገለ እዋን ክሳብ 42 - 44 ዲግሪ ዝበጽሕ ሃሩር ተጻዊሮም ክመሃሩ ይግደዱ። 

• ተመሃሮ ኣብ ሳዋ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ኣብ ሃይማኖቶም ምእማን ብፍጹም እጉዳት ስለዝኾኑ፡ ናይ እምነት መሰሎም ኣብ ልዕሊ ምምንዝዑ፡ እቲ ካብ እምነቶም ኪረኽብዎ ዝግባእ መንፈሳዊ ሓይሊን ርግኣትን ውን ይስእንዎ።

 • ምስ ስድራቤትን ሕብረተሰብን ክራኸብሉ ዝኽእሉ ኣጋጣሚ ኣዚዩ ድሩት እዩ፡ ምኽንያቱ ብቐንዱ ተመሃሮ ናብ ሳዋ ምምጻእ፡  ዕላምኡ ስድራቤታት ክበታተና፡ ፍቕርን ክብርታትን ቤተ-ሰብ ተበቲኹ ሰባት ብፍላይ ድማ መንእሰያት ናብ መንግስቲ ከምዘምልኹ ስለዚ ድማ ‘ስድራ ማለት ሃገር ጥራይ ኢያ’ ናብ ዝብል ፈሊጥ ንኽርዕሙ ኢዩ። 

• ተመሃሮ ምስ ትምህርቶም ዘይኮነስ ምስ ወተሃደራዊ ታዕሊም ብዝተኣሳሰር እታ ዝነኣሰት ውን ትኹን ‘ጉድለት’ እንተገይሮም፡ ኣዚዩ ጨካን፡ ኢሰብኣዊ፡ ንሰብነቶምን መንፈሶምን ዘዋርድ ተሪር መቕጻዕቲ ይወርዶም። • ኣብ ልዕሊ ተመሃሮ ዝወርድ ስነኣእሙራኣዊ ኣደራዕን ስቓይን ኣዚዩ ከቢድ ኢዩ፥ ብፍላይ ደቀንስትዮ ብሰንኪ እዚ ስነኣእሙራኣዊ ስቅያት ብሕማም ለውጥ ኣዝየን ይሽገራ። 

• መማህራን ተባሂሎም ዝምደቡ ሰባት ንባዕሎም ዝተገደዱ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኢዩም። ብዘይርድየቶም፡ ኣብ ዘይደለይዎን ዘይሰልጠኑሉን ዓውዲ ተኣዚዞም ስለዝሰርሑ ድማ፡ ሞራሎም ዝወደቐ፡ ንባዕሎም ዘብኩሩ፡ ሓደ ሓደ እዋን ድማ ናብ ዝተመደብዎ ቦታ ማለት ሳዋ ብጭራሽ ዘይመጹ ኢዮም። ብርክት ዝበሉ መምህራን ዓዲ ገዲፎም ናብ ስደት ስለዘምርሑ፡ እቶም ዝተረፉ መማህራን ናይቶም ዝኸዱ መሳርሕቶም ዕዮ ክሽፍኑ ናይ 2 ወይ 3 መማህራን ስራሕ ኪዓሙ  ስለዚ ድማ ዓይነት ትምህርቲ ኪግዳዕ ይረአ። 

• እቶም ክሳብ ዒስራ ሽሕ ዝበጽሑ ተመሃሮ ካብኣቶም እቶም 20% ማለት 4 ሽሕ ጥራይ ከምዝሓልፉ፡ ዝተረፉ 16 ሽሕ ድማ ናብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ኣገልግሎት ክዋፈሩ ሙኻኖም ስለዝፈልጡ፡ ተመሃሮ እዚ ሓቂ እዚ ብዘዘኻክሮም መሪር ክውንነት ተተንኪፎም ብኣግኡ ብሰኣእሙራኣዊ ስቓይ ይማስኑ።

• እቶም ናይ ምሕላፍ ዕድል ዘጋጥሞም እውን እንተኾኑ፡ ሽግሮም ንግዚኡ ኢዩ ዝውንዘፍ እምበር፡ ዜሩ ዜሩ በቲ ኣደራዕ ክሳቐዩ ሙኻኖም ንጹር ኢዩ፡ ምኽንያቱ ኣብተን እኹል ብቕዓት ዘይብለን ኮለጃት ( ኣብ ኤርትራ ዩኒቨርሲቲ ዝበሃል የሎን)  ትምህርቶም ምስ ወድኡ፡ ብስም እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ‘ሃገራዊ ኣገልግሎት’ ወይ ናብ እተን ብመንግስቲ ዝውነና ናይ ቁጠባን ህንጻን ትካላት፡ ወይ ውን ናብ ሳዋ ከም መማህራን ምምዳቦም ዘይተርፍ ኢዩ። ምሩቓት ናብ ዝደልይዎ ቦታ መታን ከይከዱ፡ ሴርቲፊከቶም በቲ ላዕለዋይ ትካላት ትምህርቲ እትባህለ ልኡኽ መንግስቲ ጂሆ ይተሓዝ።  

መርተዖታት ናይዚ ኣዕናዊ ፖሊሲ ዝረኣዩ፡ ዝስምዑ፡ ዝጠዓሙ፡ ዝሽተቱን ዝድህሰሱን ኢዮም። እነሆ ድማ ህይወት መንእሰያት ኤርትራ ን16 ዓመታት ከም ናይ ቤተ ሙከራ መመርመሪ ድሕሪ ምፍታኑ፡ ውጽኢቱ ፍልሰት፡ ሞት፡ ድንቁርናን ድኽነትን መላእ ህዝቢ ብፍላይ ድማ መንእሰያትን ህጻናትን ኣስዒቡ። እቶም ‘ዕዉታት’ ዝበሃሉ ውሑዳት መንእሰያት ውን እንተኾኑ እቶም ዓዲ ገዲፎም ዝወጹሞ ‘ሀ’ ኢሎም ህይወቶም ዝጀመሩ ኢዮም።   

ኣብዚ ሕጂ እዋን: ኤርትራ ኣባል ናይ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኮይና ተመሪጻ ስለዘላ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዝለዓለ ደረጃ ሰብኣዊ መሰላት ክሕሉ፡ ኪጣበቕን ኪከላኸልን ሕጋዊን ሕልናዊን ግዴታ ኣለዎ። ብዘይካ’ዚ ንኩሎም ዚኸተመሎም ኣህጉራዊ ሕግታትን ተዛመድቲ ናይ ትግባረ መርሓታትን ኬኽብር፡ ኪትግብርን ኪምእዘዝን ግዴትኡ ኢዩ። 

በዚ መሰረት ንሕና እዞም ነዚ ኣቤቱታ ንኽትም ዘሎና ሰባት፡ መንግስቲ ኤርትራ፡መንእሰያት ራብዓይ ዓመት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ( 12 ክፍሊ) ንምውዳእ ናብ ናይ ሳዋ ቤት ትህምርቲ ምጉራት ደው ከብል ንጽውዕ ኣሎና። መንግስቲ ኤርትራ ናይ ባዕሉ ሕግን ኣዋጅን ሃገራዊ ኣገልግሎት ከተግብር፡ ከምኡውን ዝኸተመሎም ኣህጉራዊ ውዕላት - ንኣብነት ውዕል መሰል ህጻናት፡ ውዕል ኣንጻር ግዱድ ሽቕሊ፡ ሕግታት ኣህጉራዊ ውድብ ዕዮ፡ ቻርተር ኣፍሪቃ ንምኽባር ሰብኣዊን ህዝባዊን መሰላት - ኬኽብር፡ መንእሰያት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ኣብ ትሕቲ ከቢድ ወተሃደራዊ ጽቕጥን መግረፍቲን ዘይኮነስ ኣብ ሑቕፊ ስድራቤቶምን ክብርታትን ባህልን ሕብረተሰቦም ኮይኖም ኪዛዝምዎ ዕድል ኪወሃቡ ንጽውዕ። 

ብተወሳኺ፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት - ብፍላይ ድማ ፍልይቲ ራፖርተር ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ናብ ሳዋ ኣገዲድካ ናይ ምልኣኽ ተግባራት፡ ኣብ ዝመጽእ ጸብጻቦም ኣብ ግምት ኣእቲዮም ኪመያየጠሉ ንጽውዕ። 

ነቶም ንናይ መንግስቲ ኤርትራ ስርዓተ ትምህርቲ ደገፍ ዝህቡ ዘለዉ ዞባዊን ኣህጉራዊን ትካላት ማለት፡ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ዓለማዊ ሽርክነት ትምህርታት፡ ማዕከን ልምዓት ኤውሮጳ ከምኡ ውን መንግስቲ ሪፑብሊክ ፊንላንድ፡ መንግስቲ ኤርትራ ትምህርቲ ምስ ወተሃደራዊ ታዕሊም ከይሓዋውስ፡ ከምኡ ውን ናይ ህጻናት ይኹን ሓፈሻዊ ግዱድ ሽቕሊ ደው ክብል ዝሓትት ቅድመ ኩነት ኬንብሩሉ ንጽውዕ። 

ኣብ መደምደምታ ንኹሎም እቶም ፍልሰት መንእሰያት ደው ክብል ዝሕልኑን ዝሰርሑን መንግስታት፡ እቶም ደረኽቲ ረቛሒታት  ናይዚ ዘይቋርጽ ዋሕዚ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ናይ መንግስቲ ኤርትራ መወዳእታ ኣልቦ ግዱድ ዕስክርና፡ ከምኡ ውን ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቲ ንኽወስዱ መንእሰያት ኣገዲድካ ናብቲ ኣብ ሳዋ ዝተዶከነ፡ቤት ትምህርቲ ዝስሙ ግን ከኣ ወተሃደራዊ ስልጠናን ኣካዳምያዊ ትምህርቲን ዝደባለቐ ቦታ ምጉራት ሙኻኑ ብንጹር ከላልዩን ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ደው ንኽብል ብጥብቂ ክጽዉዑን ንምሕጸን። 

+++++++++

فى عام 2003 ، وتحت درائع كادبة توحى بأن الأمر مؤقت ويراد به التخفيفُ من محدُودِية القدرات، أقرت الحكومــة الإريترية قانوناً يطالب جميع طلاب المدارس الثانويةِ بإكمال الصف الثانى عشر فى مكان مركزى، وهو معسكر ســاوا.

إدا نظرنا إلى الموضوع بمعزلٍ عن الأشياء الأخرى، فقد نحكمُ بأن أَخد طلاب الصفِ الثانىِ عشرَ فقط إلى معسكرِ الجيشِ كخطأٍ  إستراتيجى، وربما يقالُ أنْ يكونَ الدافعُ وراء دلك هو نوايا حسنةً متمثلةً فى تحقيقِ التكافؤ بين المناطقِ المختلفة، وأن يكونَ دلكَ موقعَ إنصهارٍ للأعراقِ المختلفة.

  ماجعلهُ قراراً كارثياً هووجودهُ وتطبيقهُ ضمن ثقافةٍ سياسيةٍ عسكريةٍ شاملة تعتمد على الجيشِ المجند فى الخدمة إلى أجلٍ غير مسمى:

 وكدلك القيادة السياسية والاقتصادية  التى تهيمنُ عليها الشركات شبه الحكومية التى تعتمدُ على أيادى عاملة تأتى عنوةً بدون إرادتها.

 السردُ الثورى اللدى يمجدُ التضحيةَ والصعابْ ، وغيابٌ تام للسلطةِ القضا ىية المستقلة والصحافة المستقلة وعدم وجود مجموعات المناصرة والدفاعِ عن الحقوق المستقلة ( لا سيما للنساء والشباب )

أعمارُمعظمِ طلاب الصف الحادى عشر اللتى تنقلهم الحافلاتُ إلى المعسكر، تتراوح  بين 16 – 17 عاماً, أى أنهم فى أعمار الأطفال.

المدرسة، هى مزيجٌ من مؤسسة أكاديمية وعسكرية تغلبُ عليها الصفة العسكرية بشكل واضح.

 كل يومٍ مدرسى، يبدأ وينتهى بتدريباتٍ عسكريةٍ تُوجب الطاعةَ العسكريةَ العمياءعلى الطلبىة فى كافة الأحوال.

نظراً للتركيز اللدى يَصُب جُل إهتمامه فى الإنضباط العسكرى بدلاً من التميزِ الأكاديمى، فلا يُمكنُ أَن يكون هناك وقتٌ أو طاقة للطلاب فى التركيزعلى التعليم .

عندما لا يكون الطلبة فى فصول الدراسة أو فى التدريب العسكرى، يدفع بالطلبة قسراً للعمل فى المزارع المملوكة لشركات شبه حكومية.

 عندما يكونُ الجو حاراً (تتراوح بين 30 الى 40 درجه مئوية )، وتُسْتَبدلُ الفصولُ الدراسيةُ بحظائرَعسكرية،  فبديهىٌ أنْ تكون الأمٌورٌ والأوضاعُ غير مواتيةٍ للتعليم والتلقى المعرفى.

هناك حظرٌ كاملٌ للحريةِ الدينية،  لدا فاِن وسائلَ الترويحِ الروحى ممنوعةٌ وتُعاقبُ بصرامةٍ وشدة.

الإتصالاتُ مع أفردِ الأسرة مقيدةٌ بشدة، والغرضُ من دلك هو قطعُ الروابط مع الوالدين وغرسِ الولاءِ التامِ للدولة.

يتعرضُ الطلابُ لعوقوباتٍ قاسيةٍ ومهينةٍ وَلاإِنسانيةٍ لمخالفاتٍ بسيطةٍ تَتَعلقُ بالِإنْضباطِ العَسْكرى وليس بأدائهم الأكاديمى.

الأعتدائاتُ الجنسيةُ على الطالباتِ شائعةٌ، وبسبب شُيوعِ الفسادِ وثقافةِ الإفلاتِ منَ العقابِ، فنادراً ماتَتِمُ معاقبةُ الجناةِ.

لا توجدُ مرافقُ رعاية صحية كافيةً لاستيعابِ العددِ الكبيرِ منَ الطلابِ، ويتمُ التعاملُ مع الشكاوى المتعلقةِ بالأمراضْ على أنها شكاوى أطفال مدللين،  ولدلك يموتُ الطلابُ بسببِ أمراضٍ يُمكنُ عِلاجها بسهولة.

أعراضُ الضغطِ النفسى متواجدةٌ على نطاقٍ واسعٍ وتؤثرُعلى معظمِ الطلاب وبشكل خاص الطالبات.

هيئة التدريس أَنْفُسهمْ من المجندين،  يشعرون بالإحباط بسبب إجبارهم على التخلى عن وظائفهم ومنعهم على التدريب المطلوب لِوظيفةِ التدريس.

يعانى الطلابُ من ضغوطٍ نفسيةٍ شديدة ودلك بأن 20% مهنم فقط سوف يجتازون إمتحان شهادة الثانوية العامة بدرجةٍ كافيةٍ تُؤهلهم للدخولِ إلى الكليات،  وإجبار من تبقى منهم لِخدمةٍ عسكريةٍ أَبدِية.

حتى بالنسبة ل 20% المحظوظين، الدين يلتحقون بالكلية، ( لاتوجد جامعات لهم )،  يتم تأخيرعقوبتهم فقط:

بعد التخرج من الكلية،  سَيظَلُونَ مُسْتَخْدَمِيْنَ من قِبَلِ الدولة، وأحياناً كمدربين فى الصف الثانى عشر مع أخد شهاداتهم رهينةً إلى أجلٍ غير معلوم.

الأدلة موجودةٌ بِما لايدعُ لِلشكِ مجال:  بعد 16 عاماً من التلاعب والعبثِ بمقدراتِ الاريتريين،  وإهدار مستقبل وحياة أطفال أريتريا بثمن بخس، (تكرس الحكومة مبالغ ضئيلة من ميزانيتها للتعليم)،  ليس لدى الحكومة من إنجازات سوى نفى مئات الآلاف من مواطنيها إلى الخارجِ بمنْ فيهم القُصرْغيرالمصحوبينَ بدويهم.

قِصَص النجاحِ القليلة التى تُروى هى من أُولئكَ الدين تمكنوا من مُغادرةِ البلادِ ونَجحُوا فى إعادةِ حياتهم من جديد فى الأراضى الأَجنبية.

ونظراً لأن أريتريا قدأصبحت مؤخراًعُضواً منتخباً فى مجلس حقوق الأنسـان، فأِن حكومتها " مُلزَمَةٌ  بالتمسكِ بأعلى المعاييرفى تعزيزِ وَحِمايةِ حقوقِ الأنسان" وكدلك مراعاة مختلفِ المعاهداتْ والصُكوكْ الدولية اللتى تعد أريتريا من ضِمْنِ الموقعين عليها.

فى ضوءِ دلك، ندعوا حكومة إريتريا إلى الكف فوراً عن إرسال طلاب المدارس الثانوية إلى معسكر ســـاوا العسكرى لإكمال السنة الرابعة من الدراسة الثانوية.

  ندعوا حُكومة إريتريا لِتطبيقِ قوانينها المحلية (بشأن الخدمة الوطنية) والمعاهدات الدولية التى كانت من ضمن الموقعين عليها (اتفاقيات حقوق الطفل ، اتفاقية منظمة العمل الدولية بشأن العمل القَسرى، الميثاق الأفريقى لحقوق الأنسان والشعوب) والسماح للشباب الأريترى بإكمال تعليمهم الثانوى بين عائلاتهم ومجتمعاتهم المحلية دون تدخلٍ  من الجيش.

كما نَدعوُا مَجلس حقوق الأنســان, وخاصة المقرِرُ الخاص المعنى بأَحوال حقوق الإنسان فى إريتريا إلى النظرِ فى وضع الشباب الأريترى الدى نُقِلَ بالقوةِ إِلى ســـاوا، فى تَقرِيْرِهِ الشفوى المقبل.

 ندعوا المؤسسات والحكومات التى تساعد فى تَمويل التعليم فى إريتريا – بنك التنمية الأفريقى من أجل التعليم ،  الشراكة العالمية للتعليم وصندوق التنمية الأوروبى وحكومة جمهورية فِنلندا – إلى وَضع شرطٍ لِمساعدتهم على قُدرتِهم من التأكُدِ و مُرَاجَعَتِهِمْ التام فى وجودِ الفَصْلِ التام بين سِــياسات الحُكومة العسكرية والتعليمية وكدلك حظر تَسْخِيْر الأطفال لِلْعَمَل ، والعمل القسرى العام.

ندعوا جميع الحكومات التى تَرْغبُ فى وقف الهِجرة الجماعيةِ للأريتريين إلى تحديدِ مَوْقِفها وتَثْبِيْطِ ومنع عَامِلِ الدفع الأساسى:

  التجنيد غير الْمَحْدُوْدِ فى البلد واللدى يعتمدعلى طلبة الصف الثانى عشراللدين يُحْمَلُوْنَ فى الباصات عُنْوَةً لِمركز ســـاوا العسكرى.